ቅርታ ዘልዕሉ መገዲታት ፕሮጀክት ኣብ ሓፂር ግዜ ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብነበርቲ ቅርታ ዘልዕሉ ዝነበሩ መገዲታት ፕሮጀክት ኣብ ሓፂር ግዜ ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ከይዲ ህንፀት ተርሚናል ኣውቶቡስ ኮልፈ 18ን ኣየር ጤናን ካራ ወለቴን ዑደት ፕሮጀክት ኣካይደን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ 140 ፕሮጀክትታት መንገዲ እናተርሑ ከምዘለው ብምሕባር፤ ብፍላይ ክልተ ፕሮጀክትታት ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብህዝቢ ቅርታ ዝተፈጠረ ከምዝነበረ ሓቢረን፡፡
ምኽባር ዶባትን ተመሳሰልቲ ስራሕትን ብምክያድ እቲ ፕሮጀክትታት ብቕልጡፍ ክዛዘሙ ክትትል ይግበር ከምዘሎ ገሊፀን።
ፕሮጀክት መገዲ ኣየር ጤናን ካራ ወለቴን ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ኣዋርሕ ከምኡ እውን ኮልፌ 18 ማዞርያ ኣውቶቢስ ተራ መሳሚያ ኣብ 10 ኣዋርሕ ንምዝዛም ከምዝስራሕ ኣረዲኤን፡፡
ብቅድስት ኣባተ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡