ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቀዳማይ ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ 16 ጋንታታት ሎሚ ምሸት ክጅምሩ ኢዮም፡፡
ምሸት ሰዓት 2፡45 ሊቨርፑል ካብ ሜዳኣ ወፃኢ ብምጉዓዝ ምስ ጋላታሰራይ ክትራኸብ ኢያ፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ታሪኸን ሽዱሽተ ግዘ ዝተራኸባ እንትኾና፤ ጋላታሰራይ ሰለስተ ግዘ እትትዕወት ሊቨርፑል ሓደ ግዘ ተዓዊታ ክልተ ግዘ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
ኣብዚ ዓመተ ውድድር ኣብቲ መድረኽ ተራኺበን ጋላታሰራይ ሓደ ብብሕታዊት ሸቶ ቪክቶር ኦሲሜን 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምዕዋታ ይዝከር፡፡
ምሸት ሰዓት 5 ኒውካስል ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ሴንትጀምስ ፓርክ ንባርሴሎና ክተተኣናግድ ኢያ፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ቅድሚ ሕዚ ሓሙሽተ ግዘ ተራኺበን ባርሴሎና ኣርባዕተ ግዘ ብምዕዋት ፀብለልታ ዘለዋ እንትትከውን፤ ኒውካስል ዩናይትድ ሓደ ግዘ ዓወት ቀኒዑዋ፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ካሊእ ተወካሊት ጋንታ እንግሊዝ ቶተንሃም ሆትስፐር ናብ ስፔን ብምምራሕ ንትሌቲኮ ማድሪድ ክትገጥም ኢያ፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ መድረኽ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንፈለማ እዋን እየን ክራኸባ፡፡
ብሕታዊት ተወካሊት ጋንታ ጣሊያን ዝኾነት ኣታላንታ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ሜዳኣ ንባየርን ሙኒክ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡