ብልምዲ ኣርሚ 70 እናተብሃሉ ዝፅውዑ ኣብ ጎኒ ነበር ህወሃት ዝነበሩን ዕጥቂ ዝፈትሑን ኣባላት ብከይዲ ተሃድሶ እናሓለፉ ይርከቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሱዳን ዝፀንሑን ብልምዲ ኣርሚ 70 እናተብሃሉ ዝፅውዑ ኣብ ጎኒ ነበር ህወሓት ዝነበሩን ዕጥቂ ዝፈትሑን ኣባላት ብከይዲ ተሃድሶ እናሓለፉ ከምዝርከቡ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ገሊፁ።
ኣብ ጊዚያዊ ማእኸል ዲሞቢላይዜሽን ኣዋሽ ኣርባ ስልጠና ተሃድሶ ዝተኸታተሉ እቶም ነበር ዕጡቓት እቲ ከይዲ ሓሊፎም ናብ ማሕበረሰቦም ናይ ምፅምባር መርሃ ግብሪ እናተኻየደ ይርከብ።
ሓላፊ ዋና መምርሒ ኣመራርሓ ሃፍቲ ሰብ ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ጄኔራል ኣጫሉ ሸለመ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ነበር ዕጡቓት ዝመረፁዎ መገዲ ሰላም ንካልኦት እውን ትምህርቲ ዝኸውን ኢዩ።
መንግስቲ ኣብ ቀፃሊ እውን ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣማራፂ ሰላም ብምኽታል ዕጥቂ ፈቲሖም ንዝመፅኡ ኣካላት ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተመስገን ጥላሁን ብግደኦም፤ ነበር ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምምላስ ስራሕ ንዘላቂ ሰላም ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።
እዚ ድማ ሰላም ንምፅናዕን ነበር ዕጡቓት ሓይሊ ልምዓት ክኾኑ ኣብ ምግባርን ልዑል ግደ እናተፃወተ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ዓፋርን ልዕሊ 85 ሺሕ ነበር ዕጡቓት ዕጥቂ ብምፍታሕን ናብ ማሕበረሰቦም ብምፅምባርን ሓይሊ ሰላምን ልምዓትን ክኾኑ ከምዝገበረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!