ኣብ ሰሙን 1 ሚሊየን ዜጋታት ንፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ይምዝገቡ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሰሙን 1 ሚሊየን ዜጋታት ንፋይዳ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ይምዝገቡ ኢሉ ኢሎም ፕሮግራም ብሄራዊ መንነት።
ዳይሬክተር መዳርግቲ ኣካላትን ርክብ ህዝብን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ ሳሚናስ ሰይፉ ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ክሳብ ሕዚ 38 ሚሊየን ዜጋታት ፋይዳ ዲጂታል መለለዩ መንነት ወሲዶም።
ዓማዊል ባንኪ ቁፅሪ ሒሳቦም ምስ ፋይዳ ዲጂታል መለለዩ መንነት ከተኣሳስሩ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ስዒቡ ከይዲ ምዝገባ እናተኻየደ ይርከብ ኢሎም፡፡
ኩሎም ባንክታት ዓማዊሎም ብቁፅሪ ሕሳብ ባንኪ ምስ ፋይዳ ዲጂታል መለለዩ መንነት ብጨንፈራትን ብኢንተርነትን ኣገልግሎት ኣቢሎም ክተኣሳሰሩ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡
ፋይዳ መለለዪ መንነት ንባንክታት ዘለዎ ዓብዩ ረብሓ ስለዘለዎ ባንክታት 2 ሺሕ ናይ መመዝገቢ ማሽናት ገዚአን ይምዝገባ ከምዘለዋ ኣብሪሆም።
ብባንክታትን ካልኦት ትካላትን 80 ሚሊየን ዓማዊል ሓበሬታ ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ምክያዱ ሓቢሮም፤ ባንክታት ጥራሕ ኣብ መዓልቲ ሓበሬታ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓማዊል እናረጋገፀ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ምዝገባ ብባንክታት፣ ኢትዮ ቴሌኮምን ኢትዮ ፖስታን ይካየድ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦