ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ 3.95 ብምምፃእ ተሸላሚት ሜዳልያ ወርቂ ዶ/ር ሜሮን ለገሰ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዶክተር ሜሮን ለገሰ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ቤት ትምህርቲ ሕክምና 3.95 ማእኸላይ ውፅኢት ብምምፃእ ልዑል ውፅኢትን ተሸላሚት ሜዳልያ ወርቂን ኮይና ኢያ፡፡
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሕክምና ዘሰልጠኖም 263 ሓደሽቲ ሰብ ሞያ ኣመሪቑ፡፡
ዶ/ር ሜሮን ለገሰ ካብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና 3.95 ማእኸላይ ውፅኢት ብምምፃእ ልዑል ውፅኢትን ተሸላሚት ሜዳልያ ወርቂን ክትከውን ክኢላ፡፡
ዶ/ር ሜሮን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተሳትፎን ውፅኢታዊነት ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ እናተመሓየሸ ምምፅኡ ትዛረብ፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ዝረኸበቶ ፍልጠት ንሃገራን ንወገናታ ብቕንዕና ንምግልጋል ድልውቲ ከምዝኾነት ምግላፃ ሓበሬታ እቲ ዩኒቨርሲቲ የመላኽት፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!