Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዞባ ጋሞ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ሓዘኖም ንምግላፅ ናብ ኣርባምንጭ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ዑደት ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ተመሊሶም ብቐጥታ ናብ ኣርባምንጭ ኣምሖም።

ኣብ ፃሒቶም ድማ ኣብ ከባቢ ኣርባ ምንጭን መላእ ዞባ ጋሞን ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑን ጉድኣት ንዝበፅሖምን ወገናት ሓዘኖም ብምግላፅ ዝውገኑ ስራሕቲ ሓገዝ ከምዝግምግሙ ተሓቢሩ፡፡

‎ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ነመዓልቲታት ዝዘለቐ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ህይወት ዜጋታት ቀጢፉ፤ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ኣብፂሑ ክብል ገሊፁ።

ልዕሊ መጠን ዝመልአ ሩባ ኩልፎ መንደራት፣ ኣባይቲ፣ ተሓራሲ መሬት፣ መሰረተ ልምዓት ከባቢ አዕንዩ ኢዩ ኢሉ።

ማሕበረሰቡ ኣብ ከቢድ ሓዘን ኣብ ዝርከበሉ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ስራሕቲ መድሕን ህይወት ኣጠናኺርካ ምቕፃል ኣብ ጎኒ ተጎዳእቲ ስድራ ቤታት ጠጠው ምባል ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.