Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ንህንፀት ልምዓትን ሰላም ዝተሰለፉ መናእሰይ ትጠልብ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልል ትግራይ ንህንፀት ልምዓትን ሰላም ዝተሰለፉ መናእሰይ ትጠልብ ኣላ ኢሎም ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፡፡

ኣብ ጊዚያዊ ማእኸል ዲሞቢላይዜሽን ኣዋሽ ኣርባ ኣብ ሱዳን ዝፀንሑን ኣማራፂ ሰላም ብምቕባል ናብ ሃገሮም ዝተመለሱን ኣብ ጎኒ ነበር ህወሓት ዝነበሩን ብተለምዶ ኣርሚ 70 እናተብሃሉ ዝፅውዑን ኣባላት መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ስልጠና ተሃድሶ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)ንምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብርጋዲየር ጄኔራል ደርቤ መኩሪያን ተረኺቦም።

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣማራፂ ሰላም ብዝምልጀት ናብ ሃገሮም ብምምላስ ስልጠና ተሃድሶ ብምክትታሎም ነቶም ኣባላት ንኢዶም።

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትግራይ ሰላም ንምፅናዕን ልምዓት ንምርግጋፅን ዘይተገበረ ፈተነ ከምዘየለ ብምሕባር÷ ጠጠው ኢሉ ዝተረፈ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ ህዝቢ እየ ብዝብል ሓሳብ ሕዚ እውን ዕንቅፋት እናኾነ ምምፅኡ ኣብሪሆም።

እቲ ጉጅለ ብዘጋውሖ ናይ ሕሶት ወረ ህዝቢ ክደናገር ኣይግባእን ብምባል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ልምዓት ንኸቀላጥፍ ፀዊዖም።

መንግስቲ ፌዴራል ስምምዕነት ፕሪቶሪያ መሰረት ብምግባር ትፅቢት ዝግበረሉ ተግባራት ኩሉ ኣጠናኺሩ ከምዝቕል ኣረጋጊፆም።

መንእሰይ ካብ ዓውደ ኲናት ወፂኡ ሰላም ምምራፁ ንባዕሉ፣ ነቲ ክልልል ይኹን ንሃገሩ ልዑል ዓወት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልል ትግራይ ዘድልያ ንህንፀት ልምዓትን ሰላምን ዝተሰለፈ መንእሰይ እምበር ንጎንፂ ዝስለፍ ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ከባቢ ናይ ምስራሕን ምንቅስቓስን መሰሉ ዝተሓለወ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ብነበር ጉጅለ ህወሓት ዝንዝሑ ዝተሰሓሓቱ ቤላ ቤሎታት ውድቂ ገይሮም።

ንትግራይ ንቕድሚት ከሰጉም ዝከኣል ብጎንፂ ዘይኮነስ ሰላም መሰረት ብዝገበረ ሓይሊ ጥራሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.