ኢትዮጵያ ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዋ ሃገር እያ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ዘተ ኣካይደን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ትካላት ሃይማኖት ብኣረኣእያ መንግስቲ መደመር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያን ውፅኢታዊ ዘተ ኣካይድና ኢለን።
ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃይማኖታዊ ትካላት ብምዃን ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ ወሳኒ ግደ ምብርካታ ገሊፀን።
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንፀት መንግስቲ፤ ምዕቃብ ጥንታዊ ቅርስታት፤ ታሪካት ትውፊታት ሓልዩ ንወለዶ ንምስግጋር ሰብኣዊ ርህራሄ ብምምሃር፣ ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ምጥንኻር ኣብ ልምዓት ኣብ ምክፋል ልዑል ግደ ክትዋፃእ ከም ዝፀንሐት ገሊፀን።
ኣብ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ህንፀት ሰላም፣ ልምዓትን ራህዋን ከተማና እትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ኣጉሊሕና ኢና ኢለን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!