Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕታት ክኸውን ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕታትን ብምትሕግጋዝን ክኸውን ይግባእ ኢሉ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ።
ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሸይኽ ሙሓመድ ሸሪፍ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፃ÷ እቲ በዓል ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ከምዝኽበር ገሊፆም።
ኣብ ወርሒ ረመዳን ዝተርኣየ መንፈሳዊ ጥንካረ፣ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ኣብቲ በዓል እውን ተጠናኺሩ ንኽቕጥል ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ እዋን ፆም ዝነበረ ባህሊ ምትሕግጋዝ ብምጥንኻር ብፍላይ ዓቕመ ደካማታትን ዝዝገሙ ወገናትን ብምሕሳብ እቲ በዓል ብሓባር መኽባር የድሊ ኢሎም።
ብጌታሰው የሽዋስ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.