ኣብ እዋን ረመዳን ዝተርኣየ ክብሪ ምትሕግጋዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ – ሼህ ኣብዱልከሪም ሼህ በድሪን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ዝነበረ ክብሪ ምትሕግጋዝን ምትሕስሳብን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም ተቀዳሚ ም/ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ኣብዱልከሪም ሼህ በድሪን፡፡
ሼኽ ኣብዱልከሪም ሼኽ በድሪን መበል 1 ሺሕን 447 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡
ኣብ መግለፂኦም ድማ ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብምሕታትን ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ዝነበሩ ባህሊታት ሕድሕድ ምትሕግጋዛት፣ ምርድዳእን ምትሕስሳብን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡
ናይዚ ዓመት በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ሎሚ ምሸት 9 መጋቢት 2018 ዓ.ም ወርሒ እንተተራኢያ ፅባሕ ሓሙስ 10 መጋቢት 2018 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ፡፡
ወርሒ ሎሚ እንተተዘይተራኢያ ድማ እቲ በዓል 11 መጋቢት 2018 ዓ.ም ከምዝኽበር ሼኽ ኣብዱልከሪም ሼኽ በድሪን ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣመልኪቶም፡፡
ብጌታሰው የሽዋስ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!