Fana: At a Speed of Life!

ክልተ ፅዋዕ ዝተሸለመት እየሩስ ብርሃኑ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርሲቲ ወሎ ንመበል 18 ግዘ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 444 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዘመረቖም ተምሃሮ እተን 463 ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና÷ ተምሃሪት እየሩስ ብርሃኑ ካብ ሞንጎአን ሓንቲ ኢያ።

ክልተ ፅዋዕ ክትሽለም ዝኸኣለት እታ ተመራቒት÷ ኣብ ኮሌጅ ቢዝነስን ኢኮኖሚክስን ክፍሊ ትምህርቲ ኣካውንቲንግን ፋይናንስን 3 ነጥቢ 97 ብምምፃእ ኢያ ናይ መዓርግ ተመራቒት ክትከውን ክኢላ።

ተምሃሪት ቅድስት እዚ ዓወት ክተመዝግብ ዝኸኣለት ንትምህርቲ ዘለዋ ቦታን ፃዕራን ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣብ ቀፃሊ እውን ዓወታት ንምምዝጋብ ከምትፅዕር ተዛሪባ።

ብከድር መሓመድ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.