ልምዓት ኮሪደር ከተማ ካብ ምዝማን ብዝሓለፈ ርኡይ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ የምፅእ ኣሎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ልምዓት ኮሪደር ከተማ ካብ ምዝማን ብዝሓለፈ ርኡይ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ረብሓ የምፅእ ኣሎ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)”ከተማ፣ ከተማነት፣ ክትመትን ኮሪደር ልምዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ቃና ቲቪ ፃንሒት ገይሮም።
ኣብ ፃንሒቶም እቶም ፕሮጀክትታት ክጅመሩ እንከለዉ ሓደ ዕላማ፣ ድርብ ዕላማን ብዙሕ ዕላማን ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ኮሪደር ልምዓት ንሓደ ዕላማ፣ ሓደረብሓን ዝውዕል ከምኡ እውን ሓደ ፕሮጀክት ዘይምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ነገራት ከም ዘዐውትን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ከባብያዊ ዕላማታት ከምዝሓዙ ኣረዲኦም፡፡
ዕላማታት ብዝርዝር ክርኢ ዝኽእል ሰብ ኮሪደር ልምዓት ብኽንደይ ተደራራቢ ዕላማ ከምዝተጀመረ ክርድኦ እዩ ኢሎም።
ማክሮ ኢኮኖሚ ፀገም ዝኾነ ስእነት ስራሕ ኣብ ምፍታሕ ኮሪደር ልምዓት እናተሰርሐ ይኹን ድሕሪ ምዝዛም ተወሳኺ ዕድላት ስራሕ ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ምዕባይ ናይ ብዙሕ ክእለት ልዑል ተራ ከም ዘለዎ ብምሕባር፤ ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ መናእሰይ ካብቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝረኽብዎ ፍልጠት ንላዕሊ ክእለት ክረኽቡ ኣኽኢልዎም ከምዘሎ ኣረዲኦም።
ብፍላይ መናእሰይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልል ከተማታት ሙሉእ ብሙሉእ ዲዛይንን ሰሪሖም ዝገብርዎ ህንፀት ኣዝዩ ሰሓቢ ኮይኑ ኢሎም።
ብአድማሱ ኣራጋው