ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ መባፅሕ ኢንቨስትመንት ንምግባር ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ መባፅሕ ኢንቨስትመንት ክትከውን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ።
ኣብ መርሃ ግብሪ መኽቲ 4ይ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ዝገብሩ ላዕለዋይ ቢዝነስ ፎረም “ኢትዮጵያ ንንግዲ ድልውቲ እያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ፎረም ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንግዲ ዘለዋ ምሕዝነት ንምዕባይን ብውልቀ ሴክተር ዝምራሕ ጉዕዞ ልምዓት ንምጥንኻርን ዘለዋ ተወፋይነት ዘርኢ ምዃኑ ገሊፆም።
መንግስቲ ውልቀ ሴክተር ኣብ ኢንቨስትመንትን ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ቁልፊ ግደ ከበርክት ክፍቲ ኮይኑ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእል ሪፎርምታት የተግብር ከምዘሎ ሓቢሮም።