ዋሊድ ሃረር ውቁብ ባህሊ ህዝቢ ሃረሪ ከም ወርሕን ከዋኽብትን ዝደምቀሉ ቦታ እዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ብምኽንያት በዓል ሹዋሊድ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም ምሸት ሹዋሊድ ውቁብ ባህሊ ህዝቢ ሃረሪ ከም ወርሕን ከዋኽብትን ዝደምቀሉ ፍሉይ ደርፍታትን ምርኢታትን ዘለዎ ቦታ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
እቲ በዓል ባህላዊ ስነ-ስርዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኻዊ መዘኻኸሪ ጥንታዊ ስልጣነ፣ መድረኽ ሓድነት ህዝቢን መርኣያ ባህላዊ ብዙሕነት ኢትዮጵያን ምዃኑ ገሊፆም።
ከም ሹዋሊድ ዝኣመሰሉ ቅርስታት መስሕብ በፃሕትን ዓንዲ ሃገራዊ ሓድነትናን ኮይኖም ንኽቕፅሉ መንግስቲ ንሓለዋ ሃገራዊ ቅርስታትን ባህላዊ ክብርታትን ፍሉይ ትኹረት ከምዝሃበ እውን ኣረዲኦም።
ብዩኔስኮ ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ዝረኸበት ሹዋሊድ ናይ ሃረር ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩላትና ኣቀባብላን ክቡር ክብርታትን ናብ ዓለም ኣብ ምልላይ ልዑል ግደ ከምዘለዋ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ብምኽንያት በዓል ሹዋሊድ ንህዝቢ ሃረርን ኩሎም ነበርቲ እታ ከተማን እንዃዕ ኣብፀሐኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።