ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
“ኣብ ፅኑዕ መሰረት እናተሃነፀ ዝርከብ ዘበናዊ ከተማነትን ምኽታምን ንዝሐሸ ናብራ ወለዶን ምዕባለ ሃገርን መሰረት ኢዩ” – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እናወገነቶ ትርከብ ሰፊሕ ስራሕቲ ልምዓት ከተማታት ምስሊ ሃገር ካብ ምልዋጡ ሓሊፉ ብርኪ ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝተወሰደ ታሪኻዊኻጉምቲ ኢዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ከተማታት ንዘበናት ተኣሳሲሩወን ዝነበረ መልክዕ ጉስቁልና ኣብ ምልዋጥን ንነበርተን ምቹዋትን ማረኽቲን ኮይነን ክውደባ ምግባር ብዘኽእል ኩነታት መንግስቲ ልዑል በጀት ብምምዳብን ሓይሊ ሰብ ብምውዳብ ትኹረት ተገይሩ ስራሕ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሁ፡፡
ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ገፀር ከባቢታትን እናወትገኑ ዝርከቡ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታት፣ ምሕዳስ ከተማ፣ ስራሕቲ ምቃብ ከባቢታት፣ ብዳግመ ልምዓት ፅገና ታሪኻዊ ቦኻትን ሓድጊታትን ምክያድ ከምኡ እውን ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ብዝበለፀ ዝፅርሑ ኢዮም ኢሉ፡፡
ብኻሊእ መዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዝሃቡዎ ኣንፈት ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ዝተወገኑ እንትኾኑ፤ ከተማ ናይ ምውቃብ ስራሕ ብስፍሓት ካብ ሞንጎ ዝተሰርሐሎም ሓደን ዋና ተፀራሒን ኮይኑ ንረኽቦ፡፡
ብፍላይ ንስራሕቲ ልምዓ ኮሪደርን ምሕዳስ ከተማን ዝተውሃበ ትኹረት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ 78 ከተማታት ከምዝተተግበረ ሓቢሩ።
እቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብታ ሃገር ዝርከባ ከተማታት ድሑር ስርዓት ኣባብራ ብምልዋጥ ዘበናዊነት ዝተላበሰ ሜላ ኣነባብራ ንኽፍጠር ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ኣብ ሓለዋ ክሌማዊ ለውጢ፣ ለውጢ ኣመለኻኽታ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ምቹው ከባቢ ናብራ ኣብ ምፍጣር፣ መስሕብ ቱሪስትን ጥዑይ ማሕበረሰብ ንኽህሉ ኣብ ምኽኣል ናይ ባዕሉ ትሩፋት ዘበርከተ ኢዩ ኢሉ፡፡
በዚ ድማ ፅቡቕ ናይ ምንባር ተስፋ ዜጋታት ዘለምለመ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፍልፍል ኩርዓት ንምዃ ከምዝበቕዐ እውን እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ፡፡
ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ከተማነት ምዕባለን መፃኢ ወለዶ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተወገነ ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፤ መንግስቲ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ዘበናዊ ኣሰራርሓን ብምጥማር፣ ከተማታትና መብፅሒ ቱሪስትን ኢንቨስትመንትን ካብ ምዃን ሓሊፈን ንነበርተን ማእኸል ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ምቹውን ፍልፍል ኩርዓትን ክኾና ዝግበር ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!