Fana: At a Speed of Life!

15ሺሕን 492 ተጠቀምቲ ካብ ፅግዕተኛነት ናብ ኣፍራይነት ብምስግጋር ኣመሪቕና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብምግብ ዋሕስናን ብቕዓት መናእሰይን ልምምድ ስራሕ ፕሮግራም 15ሺሕ 492 ተጠቀምቲ ካብ ፅግዕተኛነት ናብ ኣፍራይነት ብምስግጋር ኣመሪቕ ኢለን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ከምዝበልኦ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቓላዕቲ ፀገም ንዝኾ ነበርቲ ካብ ፅግዕተኛነት ናብ ኣፍራይነት ኣብ ምስግጋር ዝጭበጥ ምዕባለታት ተመዝግብ ኣላ፡፡
እዚ ትግበራ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዕላዊ ድሕሪ ምኳን ሓሙሽተ “ዜሮ ዕላማታት” እቲ ሓደ ዝኾነ ፅግዕተኛነትን ልመናን ናብ ዜሮ ናይ ምብፃሕ ራእይ ኣብ ከተማና ይዕወት ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ኢለን።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ፕሮግራም ሴፍቲኔት ዝተታሕዙ ልዕሊ 695 ሽሕ ነበርቲ ናብ ኣፍራይነት እንትሰጋገር ርእሶም ክኽእሉን ስድራቤቶም ክድግፉን ተገይሩ እዩ ኢለን።
ኣብ ከተማና ልምዲ ስራሕ ካብ ዝጀመረትሉ ኣብ 2014 ጀሚሩ ሎሚ ዝተመረቑ 8 ሺሕ 852 መናእሰይ ሓዊሱ 49 ሺሕ ዜጋታት ካብ ድኽነትን ስእነት ስራሕን ኣብ ዝተፈጠረ ምትእስሳር ስራሕ ዛዚሞም ናብ ኣፍራይነት ምስግጋሮም ገሊፀን።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.