Fana: At a Speed of Life!

ዘመናዊ ከተማታት….

ሃገርና ወናኒት ዘበናዊ ከተማታት ናይ ምግባር ጉዕዞ ብመምርሒ ክምራሕ ኣለዎ፡፡ ነባር ኣናእሽቲ ከተማታት ምዝማን፣ ከምኡ እውን ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ዝተዓጠቓ ሓደሽቲ ከተማታት ምህናፅ ትኹረት ይደሊ፡፡ ኣብ ነባር ከተማታት ዝተዘርግሐ ግዘ ዝሓለፎም ይኹኑ ዘይተዘርግሑ መሰረተ ልምዓታት፣ ብዘበናዊን ንቀፃሊ ተሓሳቢ ዝገበረን ለውጢ መሰረተ ልምዓት የድልየን፡፡ ምስረታ ሓደሽቲ ከተማታት ዝካየድ ድማ ሕድሕድ መግለፂ ዘበናዊ ከተማ ካብ ፈለምኡ ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ይግባእ፡፡

ኣብ ሕድሳት ነባር ከተማታት ይኹን ሓደሽቲ ኣብ ምህናፅ ዘይምብዳሕ ናይ ቅድሚት ቅድሚት ምሃብ የድሊ፡፡ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታት ወይ እውን መመሓየሺታት ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብድሁ ኮይኖም ክህቀኑን ተግባራዊ ክግበሩን ይግባእ፡፡ እዚ ድማ ደኒ ከተማ ሓዊሱ ከከም ከተማኡ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ካልኦት ሓምለዎት መሰረተ ልምዓታት ምዝርጋሕ ዘካትት ኢዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኩነታት ብቐሊሉ ዝላመደ ውዳበ ከተማ ክንፈጥር ኣለና፡፡ ተላማዲ ኣወዳድባ ከተማ ምትእስሳር ህዝቢ፣ ኢኮኖሚያዊን ካልኦት ለውጢታትን ብቐሊሉ ኣብ ከተማታት ምትእንጋድ ንኽከኣል ይገብር፡፡ በዚ ድማ ከተማታት ተፈጥሮኣዊ ብዝኾነ መገዲ ንኽዓብያ ይሕግዝ፡፡

መፅሓፍ “የመደመር መንግስት” ገፅ 234- 235፣2018 ዓ.ም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.