Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ ጉባኤ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሪካ ክተተኣናግድ ተሓርያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከተማ ኣዲስ ኣበባ 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሪካ ክተተኣናግድ ተሓርያ፡፡

መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካን ማእኸል ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲን ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሕዚ እውን ንዓለም ለኸ ጉባኤታት ተመራፂት ኮይና ቀፂላ ኣላ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝሓሮ፥ እታ ከተማ ኣብ ዝሓፉ እዋናት ዓበይቲ ፍፃመታት ብምትእንጋድ ዘርአየቶ ጥንኩር ዓቕሚ ምትእንጋድን ኢትዮጵያዊ ክንክንን ኣፍልጦ ንኽተረክብ ኣኽኢሉዋ፡፡

በዚ ድማ 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሪካ ንኽተተኣንግድ ብኣፍሪካ ሲዲሲ ከምዝተመረፀት ተገሊፁ ኣሎ፡፡

ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝካየድ እቲ ጉባኤ ልዕሊ 30 ሺሕ ተሳተፍቲ ክካፈሉ ኢዮም ዝብል ተፅቢት ከምዘሎ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.