Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 22 ፅባሕ ቀፂሉ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ልዕሊ 700 ተናሓናሕቲ ቅድመ መፃረዪ ዝተፈለዩ 16 ከዋኽብቲ ብመሓዝ ዝጀመረ ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 22 ፅባሕ ቀፂሉ ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ምዕራፍ ካልኣይ ሰሙን ውድድር ሸሞንተ ተወዳደርቲ ምድብ 2 ምስ ኮከብ ባንድ ስራሕቶም ብክልተ ዙር ከቕርቡ ኢዮም።

ን13 ሰሙን ኣብ ዝዘልቕ ምዕራፍ፤ ተወዳደርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰሙናት ባዕሎም፣ ዳያኑን ተመልከትቲን ብዝመረፁዎም ሙዚቃታት ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብሩ ኢዮም።

ካልኣይ ሰሙን ውድድር ምዕራፍ 22 ፋና ላምሮት ፅባሕ ቀዳም 19 መጋቢት 2018 ዓ.ም ካብ ቀትሪ ሰዓት 6:00 ጀሚሩ ብቀጥታ ፈነወ ፋና ቴሌቪዥን፣ ፋና+፣ ፋና ፌስቡክ፣ ፋና ዩቲዩብን ቴሌግራምን ከምኡ እውን ብwww.fanamc.com ይከታተሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.