ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ከባቢ ወረዳ የካ ክፍለ ከተማ 9 ኮተቤ 02 ተባሂሉ ዝፅዋዕ ከባቢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሰለስተ ሰባት ህይወት ሓሊፉ፡፡
ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣንቆርጫ ናብ ላምበርት 18 ሰባት ፅዒና እትጉዓዝ ዝነበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ሚኒባስ ከምዝተገልበጠት ኣፍሊጡ።
ሎሚ ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ሰለስተ ሰባት ክስእኑ እንከለዉ ገናሒ መኪና ሓዊሱ 16 ሰባት ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ በፂሕዎም።
በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ተሳፈርቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎን ዝተሓበረ ኮይኑ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ይምርመር ከምዘሎን ፖሊስ ሓቢሩ።