ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ዓውዲ ንግዲ ግሁድ ለውጢ ክምዝገብ ኣኽኢሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ግሁድ ለውጢ ንክዝገብ ኣኽኢሉ ኢሎም ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)።
ኣብ ክልል ዓፋር ዝተሃነፀ ማእኸል ንግዲ ጥሪት ሰመራ ካልኣይ ብርኪ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣወል ኣርባን ሚኒስትርን ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ተመሪቑ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ።
ኣይተ ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ትባራዊ ድሕሪ ምግባር ካብ ዘፈር ጥሪት እትረኽቦ እቶት ወሲኹ።
ንኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራሕ ካብቲ ዓውዲ 39 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም።
ሎሚ ዝተመረቐ ማእኸል ብልዕሊ 70 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት 10 ማእኸላት ይህነፁ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።