Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ቻይና ንመህነፂ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ሓገዝ ፋይናንስ ንምግባር ድሌት ኣርእዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ቻይና ንመፈፀሚ ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ሓገዝ ፋይናንስ ንምግባር ድሌት ኣርእዩ፡፡

ካብ ሚኒስቴር ገንዘብን ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዝተውፃእፀአ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ኣመራርሓ ባንኪ ቻይና ዕዉት ዘተ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ቴክኒካል ዲዛይን፣ መዛዘሚ ግዘ ሰሌዳ እቲ ፕሮጀክትን ዘድልዮ ፋይናንስን ብዝምልከት ንኣመራርሓ ባንኪ ቻይና ገለፃ ፃይሩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ናይ በረራ ማእኸልነት ካብ ምድንፍዑ ብተወሳኺ ከም ንግዲን ቱሪዝምን ዝበሉ ዓውዲታት ብምጥንኻር ንዕቤት ኢኮኖሚ ወሳኒ ግደ ከምዝህልዎ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብሪሁ፡፡

ኣመራርሓ ባንኪ ቻይና ብግደኦም÷ እቲ ባንኪ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዝርከባ ፕሮጀክታት መገዲ ኣየር ኢንቨሰት ናይ ምግባር ልምዲ ከምዘለዎ ብምግላፅ÷ ንመህነፂ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ እውን ሓገዝ ፋይናንስ ንምግባር ድሌት ከምዘለዎ ተዘሪቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲኦም ወገናት ሓገዝ ቴክኒክን ፋይናንስን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ሚኒስቴር ገንዘብ ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.