Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ 1 ሚሊየን ሊትር ነዳዲ ተታሒዙ – ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብዝተገበረ ቁፅፅር ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ 1 ሚሊየን ሊትር ነዳዲ ተታሒዙ ኢሎም።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ንግዲን ቱሪዝምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገምጊሙ።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ብህንፀት ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ምኽንያታትን ጠለብ ነዳዲ ወሲኹ።

ብምዃኑ ድማ እዚ ድሌት ንምምላእ ልዑል ፃዕሪ ብምግባር ነዳዲ ካብ ወፃኢ እናኣተወ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነዳዲ ከይባኽንን ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ክውዕልን ንምግባር ስራሕቲ ቁፅፅር እናተሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብዝገበረ ቁፅፅር ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ 1 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ተታሒዙ ኢሎም።

ምስቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ተተሓሒዙ 658 ሰባት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝተወደ ተዛሪቦም።

ምስ ምዕፃው ወሽመጥ ሆርሙዝ ተተሓሒዙ ፀገም ምስተፈጠረ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ካብ መራኽብ ነዳዲ ብምግዛእ 3 ግዘ ምቕራብ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ እዋናዊ ዓለም ለኸ ቀረብ ነዳዲ ፀገም ዘጋድዱ ውልቀሰባትን ኩባንያታትን ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ምስ ኩባኒያታት ኣቕረብቲ ነዳዲ ሕጊን ቴክኖሎጂን ዝተኸተለ ኣሰራርሓ ከምዝዝርጋሕ ሓቢሮም።

ብጌታሰው የሽዋስ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.