ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ሊድስ ዩናይትድ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መወዳእታ ፀወታ መበል 32 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ኦልድትራፎርድ ምሸት ሰዓት 4 ንሊድስ ዩናይትድ ክተተኣናግድ ኢያ።
እቲ ሊግ ንሃገራት ፀወታ ቅድሚ ምቁራፁ ናይ መወዳእታ ፀወታኣ ብማዕረ ውፀኢት ዝዛዘመት ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ዓወት ንምምላስ ድሕሪ 24 መዓልቲታት ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ።
ዝሓለፉ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ኣብቲ ሊግ ክትዕወት ዘይከኣለት ተጋታ ሊድስ ዩናይትድ ብግደኣ÷ ናብ ዓወት ንምምላስ ብርቱዕ ንሕንሕ ክትገብር ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ትማሊ ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ማንቼስተር ሲቲ ንቼልሲ 3 ን 0፣ ሰንደርላንድ ንቶተንሃም ሆትስፐር 1 ን 0፣ ክሪስታል ፓላስ ንኒውካስል ዩናይትድ 2 ን 1 እንትትስዕር፤ ኣስቶን ቪላ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት 1 ን 1 ማዕረ ምፍልላየን ይፍለጥ።
እቲ ሊግ ኣርሰናል ብ70 ነጥቢ እንትትመርሕ ማንቼስተር ሲቲ ብ6 ነጥቢ ትሕት ኢላ ትስዕብ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ