ሰሜን ኮሪያ ፈተነ ክሩዝብ ፀረ ጦር መርከብን ሚሳኤል ኣካይዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰሜን ኮሪያ ፈተነ ክልተ ስትራቴጂክ ክሩዝ ሚሳኤልን ሰለስተ ፀረ ጦር መርከብ ሚሳኤልን ብዕዉት ኩነታት ኣካይዳ፡፡
እቶም ፈተነታት ሚሳኤል ቾኢ ሂዮን ካብ ዝተብሃለ መዕነዊ ጦር መርከብ ሰሜን ኮሪያ ኣብ ዝሓለፈ ሰመንበት ዝተኻየዱ ከምዝኾኑ ዚዩ ተገሊፁ ዘሎ፡፡
ቀንዲ ዕላማ እቲ ፈተነ፤ እታ ናየ ጦር መርከብ ዝተዋደደ ቁፅፅር ኣፅዋርን ስርዓት ዳህሳስን ንምፍታሽ ከምኡ እውን ንኣባላት ዳህሳስ እታ መርከብ ሚሳኤል ምትኳስ ምልምማድ ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ኣቶም ክሩዝ ሚሳኤላት በቲ ፈተነ ልዕሊ 7 ሺሕን 800 ሴኮንድ ከምኡ እውን እቶም ፀረ ናይ ጦር መርከብ ሚሳኤላት ልዕሊ 1 ሺሕን 900 ሴኮንድ ኣብ ኣየር ከምዝፀንሑ ተገሊፁ፡፡
መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ኣብቲ እዋን÷ ፕሮግራም ኑክሌር እታ ሃገር ምጥንኻር ቅደሚት ዝወሃቦ ጉዳይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ጦር ሓይሊ እታ ሃገር ናይ ምጥቃዕን ቅልጡፍ ምላሽ ናይ ምሃብን ዓቕሙ ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ቲ ኣር ቲ ወርልድ ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ