ኢትዮጵያ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘለዋ ተመኩሮ ንሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ድልውቲ እያ – ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘለዋ ተመኩሮ ንሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ድልውቲ እያ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ኢንስትዩትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)።
ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ላይቤሪያ ሳራ ቤይሶሎው ኒያቲ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ምርምርን ምዕባለን ጀሚሩ ፀገማት ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ኣብቲ ዓውዲ ዘካየዶ ስራሕቲ ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም።
ኣብ መግለፂኦም እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ጠመተ ገይሩ ከምዝሰርሕ ተመኩሮታቱ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ድልው ምዃኑን ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንዝሰርሓቶ ስራሕ ዓወት ንሃገራት ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ንላይበርያ ዓብዪ ትምህርቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እትሰርሖ ዘላ ስራሕ ንሃገራት ኣፍሪካ መምርሕን ኣርኣያን ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።