Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ንኽኸውን ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ንኽኸውን ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

እተን ከንቲባ “ብሳይንስን ፈጠራን ዝደንፈዐ ትውልዲ ንተምሳሌታዊ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መበል 11 ከተማ ሓቆፍ ዓውደ ምርኢት ፈጠራ ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣጀሚረን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪበን፡፡

መምህራንን ተምሃሮን ንምዕባለ ኢትዮጵያ ኣሰሮም እናንበሩ ይርከቡ ዝበላ እተን ከንቲባ÷ በዚ ድማ ስራሕቲ ፈጠራ ብዝበለፀ ክመሃሩ ምግባርን መንፈስ ውድድር ብምፍጣር እታ ከተማ ስማርት ሲቲ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም ክፃወቱ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ዝቐረቡ ስራሕቲ ፈጠራ ተስፋ ዝህቡን ዝበረትዑን ከምዝኾኑ ብምግላፅ እቲ ቢሮ ትምህርቲ መሰል ስራሕቲ ፈጠራ ዘበረታትዑ ተግባራት ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣገንዚበን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ምፍጣርን ምቕልጣፍን ኣሰራርሓ ዝኽተል ኣመራርሓ እናተሃነፀ ከምዝርከብ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ክእለት ፈጠራ ንዘለዎም መምህራንን ተምሃሮን ምቹው ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ኣመልኪተን።

ብግዛቸው ግርማዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.