መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካርጎ ላንድ ኤክሰለንስ ሽልማት ኣብ ክልተ ዓውዲታት ተሸላሚ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካርጎ ላንድ ኤክሰለንስ ሽልማት ኣብ ክልተ ዓውዲታት ተሸላሚ ኮይኑ፡፡
እቲ መንገዲ ኣብ ከተማ ቤልጂየም ሊዥ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሽልማት ካርጎ ዊንግስ ተሸላሚ ምዃኑ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ብሉፅ ምሕዝነት ፍሉይ ሽልማት ብምኳን ተዓዋቲ ምዃን ክኢሉ፡፡
እቲ ሽልማት ዝህብ ኣገልግሎት እቲ ኩባንያን መዕርፎ ነፈርቲ በሊዥ ምስ ካርጎ ላንድ ዝሃነፆ ሓያል ምሕዝነት መርኣያ ከምዝኾነ መገዲ ኣየር ኣፍሊጡ ፡፡
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሃምቡርግ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ፓክስ ራይርሺፕ 2026 ሰለስተ ሽልማት ተዓዊቱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብብርኪ ኣፍሪካ “ብሉፅ ኣገልግሎት ምግቢ”ን “ብሉፅ ሓፈሻዊ ተሞኩሮ ተጓዓዝቲ”ን ከምኡ እውን ኣብቲ መደብ “ብሉፅ ትካላት መዕበዪ ህፃናት” ኣብ ዓውዲታት ተዓዊቱ፡፡