ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ምስ ፕሬዚዳንት ፑቲን ክዛተዩ እዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ንምዝርራብ ናብ ሩስያ ኣትዮም።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ንኽልተ ወርሒ ዝፀንሐ ኲናት ንምቁራፅ ክትዘራረብ እንተደልያ ደዊላን ናባና ክትመፅእ ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓኪስታን ዝነበሩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ ከይተዘራረቡ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፓኪስታን ድሕሪ ምዝርራቦም ነታ ሃገር ለቒቖም ከምዝወፁ ይዝኸር፡፡
እቶም ሚኒስትር ሃገሮም ኣብቲ ድርድር ዘለዋ ቕዋም ን ሰብመዚ ፓኪስታን ኣሊጦም ናብ ኦማን ዝቕንዑ ኮይኑ፤ ሎሚ ድማ ናብ ሩስያ ኣትዩም።
ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብ ኩለመዳያዊ ዝምድና እተን ሃገራት ከጠናኽሩ ዝኽእሉ ጉዳያት ክዛተዩ ተባሉ ትፅቢት ይግበር።
እዚ ስዒቡ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ክትደራደር እንተደልያ ናባና ክትመፅእ ኣለዋ ምባሎም ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ብብርሃኑ ኣበራ