Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ ወታደራዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዓይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ሞዛምቢክ ኢ ክርስቲያቮ አርቱር ቹሜ ተመያይጠን፡፡
ኣብ ዘትአን ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ብሓባር ክሰርሓሉ ዝኽእላ ጉዳያት ዘተ ኣካይደን፡፡
ብፍላይ ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ወታደራዊ ዝምድና መሰረት ዝገበረ ሓባራዊ ጥሙር ኮሚቴ ብምጥያሽ ናብ ስራሕ ምእታው ኣብ ዝኽእል መሰረታዊ ጉዳያት ተዛትየን።
ኣብቲ ዘተ ምትሕብባር እተን ሃገራት ዝበለፀ ዓቕሚ ንምርካብን ኣብ ሓፂር እዋን ኣብቲ ዓውዲ ውፅኢት ንምምዝጋብን ጠቓሚ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ሎሚ ዘተ ጥሙር ኮሚቴ ንምጥያሽ ንቀፃሊ ወታደራዊ ርክብ ብምትሕብባር ንምቕፃል ልዑል ተራ ከምዝፃወት ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.