Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ሃገር መድሓኒት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ምድንፋዕ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ሃገር እታወታት ሕክምናን ኣፋውስን ንምፍራይ መመሓየሺታት ፖሊሲ ካብ ምግባር ጀሚሩ ነቲ ዓውዲ ልዑል ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

በዚ ድማ ዝተፈላለዩ መድሓኒታትን ናውቲ መገልገሊ ሕክምናን ኣብ ውሽጢ ሃገር እናፈረየ ንጠለብ ውሽጢ ሃገር እናወዓለ ይርከብ።

መድሓኒት ብርእሰ ዓቕሚ ንምፍራይ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዝተፈላለዩ ተግባራት ተወጊኖም፡፡

እታ ሃገር ትጥቀሞ ጠለብን ድሌትን መድሓኒት መሰረት ብምግባር ብብርኪ ኣፍሪካ ዘይፈርዩ መድሓኒታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይን ናብ ዕዳጋ ኣፍሪካ ንምቕራብን ዘኽእል ዓቕሚ ተፈጢሩ፡፡

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናብ ሃገር ዝኣትዉ መድሓኒታት እተውፀኦ ሸርፊ ወፃኢ ንኽንኪን ገይሩ ኢዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ስነ ምህዳር ሳይንስ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዘበናዊ ማእኸል ምርምር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቀፅሪ ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሃንሰን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተመሪቑ ናብ ስራሕ ምእታዉ ይዝከር፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መድሓኒት፣ ዓለባ ከምኡ እውን ምግቢ ብእኹል ብምፍራይ ናይ ባዕሉ ጠለብ ዝሽፍን ሃገር ከም ሃገር ሉኣላዊ ሃገር ኢየ ኢሉ ክቕፅል ከምዘይኽእል ኣብቲ እዋን ምግላፆም ይዝከር።

በዚ ድማ ምግቢ፣ ዓለባን መድሓኒትን መሰረታዊ ጉዳያት ብምዃኖም ኣብዞም ሰለስተ ጉዳያት ትልሚ ብመሓዝ ብመንግስቲ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ምፅነሖም ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኢትዮጵያ ብመድሓኒት ንባዕላ ዘድልያ ክተፍሪ ኣለዋ ብዝብል እምነት ብመሓዝ መንግስቲ ብትኹረት እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ መድሓኒትን እታወታት ሕክምናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምሽፋን ዘኽእሉ ኩነታታት ምፍጣር ተኻኢሉ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈሪ እታወት ሕክምና ኣብዚ ሕዚ እዋን 44 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 25 ኩባንያታት ኣብ ምፍራይ መድሓኒትን እታወት ሕክምናን ብንቕሓት እናተሳተፉ እንትኾኑ÷ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈሪ እታወት ሕክምና ብምሽፋን በቢዓመቱ ልዕሊ 53 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ፅዕንቶ ምንካዩ ተሓቢሩ።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.