Fana: At a Speed of Life!

ብልዕሊ 6 ቢሊየን ብር ወፃኢ 1 ሺሕን 452 ኣቢያተ ትምህርቲ ክህነፁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 6 ቢሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ 1 ሺሕን 452 ቅድመ ስሩዕ ኣቢያተ ትምህርቲ ክህነፁ ኢዮም ኢሉ ሚኒስቴር ትምህርቲ፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፤ እቶም ኣቢያተ ትምህርቲ ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ክልላት ብምትሕብባር ኣብ ኩለን ክልላት ከምዝህነፁ ተዛሪቦም።

እቶም ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ሓፂር እዋን ብፅሬት ተሃኒፆም ን2019 ዓ.ም ዘበነ ትምህርቲ ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

በዚ ድማ 87 ሺሕን 120 ህፃናት ናብ ኣቢያተ ትምህርቲ ክኣትዉ ክግበር ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ህንፀት ኣቶም ኣቢያተ ትምህርቲ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንምብፃሕ ዝተሰናደአ ሸቶ ንምዕዋት ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

ነዚ ድማ እቲ ሚኒስቴር ምስ ቢሮ ትምህርቲ ኩለን ክልላትን መዳርግቲ ኣካላትን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ብፌቨን ቢሻው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.