መስኖ ሕርሻ ብምግብ ርእስና ንምኽኣል ዝፀንዐ መሰረት ዘንበርናሉ ምዕራፍ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መስኖ ሕርሻ ሓጋይ፤ ብምግቢ ርእስና ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ፅኑዕ መሰረትን ዘንበርናሉ ምዕራፍ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሕርሻ መስኖ ሓጋይ፤ ብምግቢ ርእስና ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ፅኑዕ መሰረት ዘንበርናሉ ምዕራፍ ኢዩ ኢሎም።
ሃፍቲ ማይና ብግቡእ ብምጥቃም፣ ኣብ ዘይተቋረፀ ፃዕሪን ቆራፅነትን፣ ናይ ምልማዕ ጉዕዞና ዘተኣማምንን ዘላቒ ዝኾነ ውሕስና ምግቢን ናብ እነረጋግፀሉ ብሩህ ተስፋ ከምዘሰጋግረና ጥርጥር የብሉን ክብሉ ኣመልኪቶም።