ኢትዮጵያ ሃገራዊ ጥዕና ልምዓታ ኣህጉራዊ ተረባሕነት ከረጋግፅ ኣብ ዝኽእል ቁመና እናተግበረት ትርከብ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሃገራዊ ጥዕና ልምዓታ ኣህጉራዊ ተረባሕነት ከረጋግፅ ኣብ ዝኽእል ቁመና እናተግበረት ትርከብ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ።
5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣቅረብቲ መድሓኒት “ዓለም ለኸ ስልታዊ ምሕዝነት ንዘተኣማምን ምትእስሳር ቀረብ መድሓኒት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብቲ እዋን÷ ቀረብ ዓውዲ መድሓኒት ብቴክኖሎጂ ብምምራሕ ዲጂታል ክትትል ቀረብ መድሓኒት እናተገበረ ከምዝኾነ ኣልዒለን።
ኢትዮጵያ ሃገራዊ ጥዕና ልምዓታ ኣህጉራዊ ተረባሕነት ከረጋግፅ ኣብ ዝኽእል ቁመና እናተግበረት ከምትርከብ እውን ኣብሪሀን፡፡
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዱልቃድር ገልገሎ ብግደኦም÷ እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ክፍተት ቀረብ መድሓኒት ንምፍታሕ መሓዙት ኣካላትን ዘፈር ውልቀን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 68 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ብምውፃእ መድሓኒታትን መሳርሒታት ሕክምናን ብምግዛእ ንትካላት ጥዕና ተበፃሒ ምግባራ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ