Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምልክት ህንፀት ሃገርን ልህቀት ኣቪየሽን ኣፍሪካን እዩ - ላዕለዎት ኣመራርሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምልክት እጃም ህንፀት ሃገርን ኩርዓት ብሄራዊ ካብ ምዃን ብዝሓለፈ ልህቀት ኣቪየሽን ኣፍሪካን እዩ ኢሎም ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ፡፡
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 80 ዓመት ምምስራቱ ኣመልኪቱ ምሰ ዓማዊልን መሻርኽቱን መድረኽ ተሞኩሮ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ከምኡ እውን ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኣገልግሎት እቲ መገዲ ኣየር ብዝምልከት ዘተ ፓነል ተኻይዱ።
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሉፅ ውፅኢት ዘለዎን ንነዊሕ ዓመታት ዕዉት ኮይኑ ዝፀንሐን ዓብዩ መንግስቲ ንግዳዊ ኩባንያ እዩ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ህንፀት መንግስቲ ኢትዮጵያን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚ ቁጠባውን ማሕበራውን ልምዓትን እጃሙ ዘበርክት ትካል ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ውሽጣዊ ርክባትን ኣብ ምሕያል ዓብዩ ኣበርክቶ ትገብር ከምዘለዋ ኣረዲኦም፡፡
ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብወገነን እቲ መገዲ ኣየር ምልክት ሓበን ሃገርን መግለፂ ሓበራዊ መንነት ኩሉን ዝኾነ ብሄራዊ ትካል ምዃኑ ገሊፀን።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ÷ እቲ መገዲ ኣየር ዓብዪ ዓቕሚ መሰረተ ልምዓት ሎጂስቲክስ ከምዝሃነፀ ብምሕባር፣ ኣብ ሰደድ ንግዲን ዲፕሎማሲን ዓብዪ ግደ ዝፃወት ትካል ምዃኑ ገሊፆም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.