ሓርበኝነት ብመንገዲ ፍልጠት ምምራሕ እዩ- ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ ሚያዝያ 27፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ሓርበኝነት ብመንገዲ ፍልጠት ምምራሕ እዩ ኢሎም፡፡
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸብሉ መበል 85 መዓልቲ ሓርበኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓወልቲ ዝኽሪ ኣራት ኪሎ ይኽበር ኣሎ፡፡
ኣብቲ በዓል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ፕሬዚዳንት ማሕበር ጥንታውያን ጀጋኑ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ዳንኤል ጆቴ መስፍን፣ጀጋኑ ሓርነኛታት፣ ስድራ ሓርበኛታትን ነበርቲ እታ ከተማን ተረኺቦም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሰላምን ሓርነትን ብዓርሰ ምትእምማንን ማንም ሰብ ክወስደና ዘይክእል ናይ ገዛእ ርእስና ንብረት እዩ ኢሎም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ