ተጠናኺሩ ዝቐፀለ ክልተኣዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት እናጠናኸረት ትርከብ፡፡
ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር፣ ልምዓት ኢኮኖሚ ኣብ ምስላጥን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምህናፅን ብዙሓት ዓወታት እናተመዝገቡሉ ይርከቡ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዝታይ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ከምኡ እውን ርክባት ህዝቢ ምስህዝቢ ምጥንኻር ዘኽእሉ ልዝባት ኣካይዶም፡፡
ኣብዚ ወርሒ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ዝተዛተዩ እንትኾኑ፤ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ስምምዕነታት ተፈራሪሞም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ምስ ዝነበሩ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ብምዝታይ ክልተኣዊ ርክባትን ሓበራዊ ዓውዲታት ምትሕብባርን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ገይሮም፡፡
ብተመሳሳሊ ምስ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኢቫሪስቴ ንድያይሺሚዬን ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦኣካይ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም ኢዮም፡፡
ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ድሕሪ ዝነበሮም ዕውትልዝበ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእሉ ስምምዕነታት ተፈራሪሞም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ እዞም ስምምዕነታት ኢትዮጵያ ኣብ ስሉጥ ጉዕዞ ለውጢ ዘኻዕበተቶ ልምዲ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል፤ ከምኡ እውን ካብ መሓዙትና ዝተፈላለዩ ሜላታት ብምውሳድ ንዕቤት እታ ኣጉር ዘላቒን ኣፍሪካዊ መፍትሒታት ብሓባር ንምምፃእን ከም ወሳኒ መሰረት ዘገልግሉ ኢዮም ኢሎም።
ብሚኪያስ ኣየለ