Fana: At a Speed of Life!

ክሌማዊ ለውጢ ንፅዋዕ ዓለም 2026 …

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፀጋሚ ኩነታት ኣየር ንኽካየድ ሒደት እዋናት ንዝተረፎ ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2026 ፈተና ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

እቲ ውድድር ኣብ ዘተኣተናግዳ ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ዘሎ ክሌማዊ ለውጢ ብልዑል ሙቐት፣ ነጎድጓዳማ ዝናብን ሃልሃልታ ሓዊን ዝፍለጥ ከምዝኾነ ቅድሚ ምጅማር እቲ ውድድር ብዙሓት እናተሓሳሰበ ይርከብ።

ኣብ ደቡባዊ ኣሜሪካን ሰሜናዊ ሜክሲኮን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዘሎ ማእኸላይ ልዑል መዓልቲ ሙቐት ካብ 30 ክሳብ 40 ዲግሪ ሴልሺየስ ዝበፅሕ እንትኸውን÷ እዚ ድማ ንተፃወትቲ ኣፀጋሚ ከምዝኸውን ተሓቢሩ።

ተፃወትቲ ኣብቲ ውድድር ዘለዎም ዓቕሚ ንምርኣይ ልዑል ዕንቅፋት ከምዝኾኖም እውን ስግኣት ፈጢሩ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፊፋ ጋንታታት ዓለም ሽዱሽተ ተፃወትቲ ተቛሪፆም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ካብዚ ብተወሳኺ ነጎድጓዳማ ዝናብ ንምቁራፅ ፀወታታት ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ዝተሓበረ እንትኸውን÷ ብፍላይ ከም ማያሚ፣ ሂውስተንን ኣትላንታን ዝበላ ከተማታታት ዘለወን ኣየር ነዚ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ኢዩ።

በዚ ድማ ፀወታ ኣዝካየደሉ ስታዲየም ብ16 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት መብረቕ እንተጋጢሙ ብመሰረት ስሩዕ ኣሰራርሓ ኣሜሪካ እቲ መብረቕ ምሰቋረፀ ን30 ደቓይቕ ፀወታ ክቋረፅ ይኽእል ኢዩ።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.