Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ቻይና ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ዕላዉ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ቻይና ከምዘምርሑ ተሓቢሩ፡፡

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ኣብ ቻይና ዑደት እንትገብር እዚ ፈላማይ ምዃኑ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ቻይና ዑደት ከምዝገብሩ ቤጂንግ ኣረጋጊፃ፡፡

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ቻይና መዘነኦም ሺ ጂንፒንግ ከምዝዛተዩ ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣብቲ ዑደት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኩባኒያታት ቦይንግ፣ ሲቲግሩፕን ኳልኮምን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቻይና ከምዝጓዓዙ ተሓቢሩ።

ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ሞንጎ ዋሽንግተን ቤጂንግን ዘሎ ወጥሪ ታሪፍ ንምህዳእ ከምዝሕግዝ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ፕሬዚዳት ትራምፕ ድሕሪ ፅባሕ ረቡዕ ናብ ቤጂንግ ከምርሑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣቤል ነዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.