ቻይና ኣብ ጉዳይ ታይዋን ምስ ኣሜሪካ ናብ ጎነፅ ክትኣቲ ትኽእል ኢያ – ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ጉዳይ ታይዋን ብኣግባቡ ተዘይተራእዩ ምስ ኣሜሪካ ናብ ጎነፅ ንኣቲ ንኽእል ኢና ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቻይና ኣብ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምስ ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ንክልተ ሰዓታት ዝፀንሐ ዘተ ኣካይደም።
ቻይና ኣካል ሉኣላዊ ግዝኣተይ ኢያ ንእትብላ ታይዋን ዝጠመተ ዘተ እቶም መራሕቲ ቀዳምነት ካብ ዝተውሃቦም ዛዕባታት ከምዝነበረ ተሓቢሩ።
ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ጉዳይ ታይዋን ብኣግባቡ እንተዘይተጠሚቱ ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ናብ ጎነፅ ክትኣቲ ከምእትኽእል ከምዘጠንቀቑ ተገሊፁ።
ዋሺንግተን ንምምሕዳር እታ ደሴት እትገብሮ መጠን ሽይጣት መሳርሒ ኣፅዋር ንክትንኪ ወይ ንክተደናጒ አውን ምሕታቶም ተሓቢሩ።
ታይዋን ካብ ቻይና ንምግንፃል ዝግበር ፈተነ ምስ ሰላም ከምዘይሳነ እቶም ፕሬዚዳንት ምዝራቦም ተገሊፁ።
ታይዋን ብግድኣ እዚ ቅዋም ቻይና ንዞባዊ ሰላም ጠንቂ ኢዩ ኢላ ኣላ።
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ጉዳይ ታይዋን ምዝርራቦም ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ምላሽ እንተይሃቦ ምሕላፎም ተገሊፁ።
ብሃይለማርያም ተገኝ