ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዘዚሙቀ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ንሸውዓት መዓልቲታት እናተኻደ ዝቐነየ ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ሎሚ መዓል ተዛዚሙ፡፡
እቲ ምልኣተ ጉባኤ ብዛዕባ ሰላም ሃገር፣ ብዛዕባ ሓድድነት ቤተ ክርስቲያን፣ ብዛዕባ ድሕንነትን ክብሪን ኩሉ ወዲ ሰብ ከምኡ እውን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዝጠመቱ ሰፋሕቲ ልዝባት ብምግባር ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ኢዩ ተዛዚሙ፡፡
ሓድነት እታ ቤተ ክርስቲያን ምሕላውን ክሕሎ ምግባርን ተግባር ቅዱስ ሲኖዶስ ስለዝኾነ ጥንታዊትን ሃዋርያዊትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሉኣላዊ ክብራ ተሓሊዩ ንኽትቅፅል ኮሚቴ “ሃገራዊ ሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን” ስርሑ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ወሲኑ፡፡
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ንኽካየድን እቲ መረፃ ንኢትዮጵያውያን ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ዘምፅእ ኮይኑ ንኽዛዘም እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብኣፅንኦት ኣተሓሳሲቡ፡፡
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ሰብኣዊ መሰሎም ንኽኽበር ዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ክትትል ንኽገብሩ እውን እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ሃዋርያዊ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ብኣመለወርቅ መኳንንት