Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ንግዲ ብዘላቕነት ንምቕፃል ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብታ ከተማ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ንግዲ ብዘላቕነት ንምቕፃል ዝዓለመ ዘተ ኣካይዱ።

ኣመራርሓ እቲ ምምሕዳር ከተማ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምክልኻልን ማሕበረሰብ ንግዲ ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ ንኸኣኣቱ ዘኽእሉ ጉዳያትን ምስ ሓለፍቲ ንግዲን ኣገልግሎት መንግስቲን ሸውዓቲአን ክፍለ ከተማታት ተዛቲዮም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረህይወት ገ/ስላሴ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ምንቅስቓስ ንግዲ እታ ከተማ ብዘላቕነት ንምቕፃል ሕጋዊ ስርዓት ንግዲ ንምዕሳልን ንነጋዶ ምቹው ኩነታት ስራሕ ንምፍጣር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ።

ብፍላይ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓታት ንግዲ ምክልኻል፣ ስርዓት ንግዲ ምስትኽኻልን ማሕበረሰብ ንግዲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምዕንቃፍ ስርሑ ከካይድ ንምግባርን፣ ብዝተዋደደ መንገዲ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ንግዲን ኣገልግሎት መንግስቲን በቢከባቢኦም ዘለዉ ፀገማት ምንቅስቓስ ንግዲን ንዘላቕነቱ መፍትሒ ክኾኑ ዝኽእሉ ጉዳያትን ብምድሃብ ሓሳባት ከምዝተለዋወጡ ተገሊፁ።

ምንቅስቓስ ንግዲ ብዘላቕነት ምቕፃል፣ ኢኮኖሚያዊ ዳግመ-ሕውየት እታ ከተማ፣ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ንነበርቲ ኣቕሑትን ኣገልግሎታትን ተበፃሒ ንምግባር ወሳኒ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዘተ ተላዒሉ።

ብግዛቸው ግርማዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.