Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኮሚሽነር ዘገየ ኣስፋው ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስነ ስርዓት ቀብሪ ነበር ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዘገየ ኣስፋው ኣብ ካቴድራል ቅድስቲ ስላሴ ተፈፂሙ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኮሚሽን ኮሚሽራትን ሰብ ሞያታትን፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ስድርኦምን ፈተውቶምን ተረኺቦም።
ኮሚሽነር ዘገየ ኣስፋው ካብ ኣቡኦም ኣይተ ኣስፋው ዓብዲ ብሩንን ካብ ኣዲኦም ወይዘሮ ሙሉ ዳዲን ኣብ ምዕራብ ሸዋ ኣብ 1934 ዓ.ም ከምዝተወለዱ ታሪክ ማህደሮም የረድእ፡፡
እቶም ኮሚሽነር ካብ ለካቲት 2014 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 3 ግንቦት 2018 ዓ.ም ኣብ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብኮሚሽነርነት ከገልግሉ ፀኒሖም፡፡
ኣብነታዊ ቅንዕናን ተወፋይነትን ሃገራውነትን ልዑል ስምዒት ሓላፍነትን ስርሖም ክፍፅሙዝፀንሑ እቶም ኮሚሽነር ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ኣብ መበል 84 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.