ጭቡጥ ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ምቁፅፃር ትምባኾ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ምቁፅፃር ትምባኾ ዝጭበጥ ውፅኢት ኣመዝጊባ ኢሉ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ናፃ ትኪ ትምባኾ ኣብ ዓለም ንመበል 39 ግዚኡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 34 ግዚኡ “ናብ ወልፊ ኒኮቲንን ትምባኾን ዘብፅሑ መገድታት ነቃልዕ” ብዝብል መሪሕ ቃል ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል መዚ ነታ መዓልቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ኣብ ምቁፅፃር ትምባኾ ብዙሕ ስራሕቲ ተሰሪሑ ኢሉ፡፡
ኣብዙይ እውን ኣብ 8 ክልላት ናይ ትምባኾ መተሓባበሪ ኮሚቴታት ንምጥያሽ ንምጥንኻርን ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ።
ኣስታት 900 ሺሕ ዝኾኑ ትካላት ካብ ትኪ ትምባኾ ነፃ ምዃነን ንምርግጋፅ መርመራ ዝተገበረ ኾይኑ፤ ንወነንቲ እተን ትካላት ናይ ግንዛበ ጎስጓሳት ምግባሩ ተሓቢሩ፡፡