Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ሃዋሳ ጎስጓስ መረፃ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፓርቲ ብልፅግና ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ናይ ጎስጓስ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ የካይድ ኣሎ።
“ኢትዮጵያ ናብ ተምሳሌት ሃገር ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ደስታ ሌዳሞን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር እቲ ክልል ኣብርሃም ማርሻሎን ሓዊሱ ላዕለዎት ስራሕን ሓለፍቲ እቲ ፓርቲን ተረኺቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ፓርቲ ወኪሎም ዝነሓንሑ ሕፁያት፣ ኣባላት ሰልፍን ደገፍትን ኣብቲ ናይ ጎስጓስ መርሃ ግብሪ ይሳተፉ ኣለዉ።
ብነፃነት ሰለሞን
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.