ኣብ መረፃ ድምፂ ንመሃብ ተዳሊና ኣለና – ነበርቲ ከተማ ኣለታወንዶ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅባሕ ኣብ ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ድምፅና ብመሃብ ሃገራዊ ሓላፍነትና ንምውፃእ ተሰናዲእና ኣለና ኢሎም ነበርቲ ከተማ ኣለታወንዶ፡፡
ነባሪ እታ ከተማ ዳንኤል ቀቀቦ፤ ፅባሕ ብካርዶም ንሃገር ዕቤት ይጠቅም ዘብሉዎ ፓርቲ ብምምራፅ ታሪኻዊ ኣሰሮም ከምዕርፉ ተዛሪቦም።
ነባሪ እታ ከተማ መንእሰይ መሰለ በራሳ ብግድኡ ኣብ መረፃ ዝሳተፍ ኣብዚ ዓመት ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንተረባሕነትን ተሳትፎን መንእሰይ ትኹረት ብምግባር ንዝሰርሕ ፓርቲ ድምፂ ከምዝህብ ፀሪሑ።
ወይዘሮ ኣበራሽ ሙንጣሻን ኣይተ ዝናቡ ዳንጊሶን ዝተብሃሉ ነበርቲ እውን÷ ሓደ ድምፂ ዋጋ ከምዘለዎ ብምርዳእ ብካርዶም ይጠቕመና ዝብሉዎ ፓርቲ ንምምራፅ ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ ፅባሕ ንጉሆ ኣብ ጣቢያ መረፃ ብምርካብ ድምፆም ብመሃብ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያክትመርፅኢያ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል
#Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision