Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ 4 ሺሕን 97 ተዓዘብቲ መረፃ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ 4 ሺሕን 97 ተንቀሳቐስቲን ተቐመጥቲን ታዓዘብቲ ኣብ ኩለን ክልላት ንምውዳር ምድላው ተዛዚሙ ኢሉ ሕብረት ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንመረፃ ኢትዮጵያ፡፡

እቲ ሕብረት ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ÷ ብፍቓድ ሲቪል ምዕዛብ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ መሰረት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም ዝውገን  7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ምዕዛብ መረፃ ንምስታፍ ዘኽእሉ ምንቅስቓሰሳት ቅድመ ምድላው እናበረ ፀኒሑ።

ብመሰረት እዚ 23 ግንቦት 2018 ዓ.ም እቲ ሕብረት 101 ኣባል ትካላት ዝመልመሎም 4 ሺሕን 97 ናይ ሓፂር እዋን ተዓዘብቲ ንምውፋር ምድላዉ ዛዚሙ።

ካብ ሞንጎ ዝተዋፈሩ ናይ ሓፂር እዋን ተዓዘብቲ 3 ሺሕን 301 ተቐመጥቲን ተዓዘብቲን እንትኾኑ 1 ሺሕን 60 ተንቀሳቐስቲ ተዓዘብቲ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ፡፡

#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያክትመርፅኢያ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል

#Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.