Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝወዳደሩሉ ክልል መረፃ ጎማ 2 እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ መረፃ ፍትሓዊ ኢዩ – ሕፁያት ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ዕጩዎች

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝወዳደሩሉ ክልል መረፃ ጎማ 2 እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ መረፃ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ኢዩ ኢሎም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ሕፁይ ኮይኖም ኣብ ዝቐረቡሉ ክልል መረፃ ጎማ 2 ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናተነሓንሑ ዝርከቡ ሕፁያት ፓርቲ ኢዜማን ናፅነትን ማዕርነትን እናተኻየደ ዝርከብ መረፃ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ኢዩ ኢሎም፡፡

ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ እናተኻየደ ዝርከብ መረፃ ኣድላዪ ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ተኸቲሉ እናተወገነ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ዝተረኸበ ዕድል ዜጋታት ብፍትሓዊነትን ዴሞክራሲያዊ መገዲን እናተጠቐሙሉ ከምዝርከቡ ኣልዒሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.