Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ሕሕ ዘሎ ከይዲ መረፃ ፍፁም ናፃን ሰላማዊን ኢዩ – መተሓባበሪ ሰሜን ኢትዮጵያ ፓርቲ ኢዜማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መተሓባበሪ ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ሰሜን ኢትዮጵያ ኣይተ ሃይለማርያም ብርሃኑ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ብምርካብ ድምፂ ሂቦም።

ኣይተ ሃይለማርያም ብርሃኑ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ደገፍቲ ኢዜማ፣ ኣባላትን ኣመራርሓን ኣብቲ ከይዲ መረፃ ብመራፅነት፣ ኣፈፃሚ መረፃን ተመራፃይ ብምዃንን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ክሳብሕዚ ብዝገበርኩዎ ክትትል እቲ ከይዲ መረፃ ፍፁም ናፃን ሰላማዊን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም መተሓባበሪ÷ ሕብረተሰብ ይጠቕመኒ ዝበሎ ኣካል ብካርዱ እናመረፀ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።

#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.