Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ምምሕያሽ ጉምሩክ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መበል 24 ስሩዕ ጉባኤኡ፣ ኣዋጅ ጉምሩክ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅዲቑ።
እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኮንትሮባንድ ንግዲ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ምጥንኻር ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣብ ፕላን፣ ቀዋሚ ኮሚቴ በጀትን ፋይናንስን እቲ ባይቶ ገሊፁ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዝፈረመቶም ዓለም ለኸ ስምምዓት ዝተጠዓዓመ ንክኾን ዘኽእል እንትኾ፤ ኣብ ኣሰራርሓ ጉምሩክ ፍትሓውነት ንምርግጋፅ ምቹው ሃዋህው ከምዝፈጥር ተገሊፁ።
ብተወሳኺ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ሃገርና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኢንዱስትሪ ማኑፋክቸሪንግ ልምዓት ዝድግፍን ከምኡ እውን ኢንቨስትመንት ዘተባብዕን ምዃኑ ተሓቢሩ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.